እስራኤል፣ ኣብ መንጎ ደገፍቲን ተቓወምቲን መንግስቲ ኤርትራ ብዝቕጽል ዘሎ ምትፍናን ሓደ መንእሰይ ብኻራ ተወጊኡ

eritrean stabbedኣብ እስራኤል ኣብ መንጎ ደገፍቲን ተቓወምቲን መንግስቲ ኤርትራ ብዝቕጽል ዘሎ ምትፍናንን ግጭትን ሓደ መንእሰይ ብኻራ ከምዝተወግአ ተገሊጹ። እቲ ኣብ ክሊ 30ታት ዕድመ ዝርከብ መንእሰያት ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቡ ኣሎ። ፖሊስ እስራኤል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ሕቆቑን ከብዱን ብኻራ ተወጊኡ ብደም ተዓቢሱ፣ ብ31 ሓምለ ኣብ ደቡባዊ ቴል ኣቪቭ ዝተረኽበ መንእሰይ፣ ግዳይ ናይቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ብፖለቲካዊ ኣፈላላይ ተፈጢሩ ዘሎ ጎነጽ ክኸውን ከምዝኽእል ኣፍሊጡ።