ርሑስ ዒድ ኣልፈጥር ይግበረልና

በኣጋጣም ዒድ ኣል-ፈጥር ኣል-ሙባረክ፡ ብስም መሪሕነትን አባላትን ሰልፊናህዳ መሰረት፡ንኹሎም ኤርትራውያን ኣመንቲ እስልምና እንቋዕ ኣብዚ ኣብቃዓኩም፡ ረቢ ጾምኩምን ካልእ ሰናይ ተገባራትኩምን ይቀበለልኩም እንዳበልኩ ንኹሎም ኣመንቲ እስልምና ብሓፈሻ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ሰናይ ምንዮታተይ ይገልጸልኩም።