ሕማቕ ጓሳ ብበትሩ ይውቃዕ

ህግደፋውያን ሻዲኖም፡ ኣብ ልዕለና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሸይኖም። ንሕና እቶም ህዝቢ ድማ፡ እንተገረፍናኩም፣ እንተጠመኹም እንተጸማእኩም፣ እንተዓረቕኩም እንተሓመምኩም፣ እንተተጸረፍኹም እንተተኸላበትኩም፣ እንተተጨልገምኩም እንተተቐጥቀጥኩም፣ እንተተጨወኹም እንተተኣሰርኹም፣ በብዓይነቱ ስቅይታዊ መግረፍቲ እንተተፈጸመኩም፣መሰለይ ክብረተይ፡ ሰላም ደሞክራሲ፡ ሕጊ ፍትሒ፡ ኣይትበሉ ተጸመሙ ትም ሕትም በሉ ኢሎምና። እንተ ብውነ እንተብፍርሒ ዝተበሃልናዮ ተቐቢልና ፍርቂ ስጋና ተቖሪጹ እናተወ