ጋዜጣዊ መግለጺ

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዳግም ሰፊሕ ኣቓልቦ ዚሰሓበ ጕዳይ ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ኴይኑ ተረኺቡ’ሎ። ነዚ ብዝምልከት ከአ ድሮ ብርክት ዝበሉ መግለጺታት ወጺኦም አሎዉ። ድሕሪ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ኣሕመድ አብ ኢትዮጵያ ናብ ስልጣን ምድያቡ፣  ናይ ኢህወደግ  ናይ ስራሕ ኣስፈጻሚ ኣካል ኣኼባ ጌሩ። ዚተገብረ ኣኼብ (ናይ ስራሕ ኣስፈጻሚ ኣካል ዚወጸ መግለጺ ከም ዘፍለጦ) ከአ ብወጽኢት ንውዕል ኣልጀርስ ወይ’ወን ከምኡ ንብይን ኣህጉራዊ ቤት ፍርድ ብጕዳይ ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ብዘይ ዚኾነ ይኹን ቅድመ ኵነት ከም ዚተቐበሎን ንአብ ባይታ ትግባሬኡ ቅሩብ ምህላዉ ጠቒሱ ድልወነቱ  ገሊጹ’ሎ። በዚ ኸአ ነቲ ሰበባ ሒዙ ዚጸንሓ - “ናይ ኣይሰላም ኣይውግእ” - ከቢድ እምኒ ተነክዩ ዘንቀሳቐሰ ሓይሊ ኴይኑ ተረኺቡ’ሎ።  መግለጺ ፈጻሚ ኣካል ኢህወደግ  ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኤርትራ`ውን ከምኡ ተመሳሳሊ መርገጽ ንክወስድ ጸዊዑ’ሎ።