ፖሊስ እስራኤል፣ ብምኽንያት 24 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን ኤርትራውያን፣ ንኣምባሳደር ኤርትራን ወከልቲ ማሕበረሰብን ኣዘራሪቡ

Eri  in Isreal fightingእስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ደገፍቲ መንግስቲን ተቓወምትን፣ 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ንምጽንባል ኣብ ዝተኣከብሉ እዋን ብዘካየድዎ ኣምባጋሮ ሓደ ፖሊስ ዝርከቦም ሓያሎ ሰባት ቆሲሎም።ድሕሪ'ቲ፣ ኣብ ደቡባዊ ከተማ ቴልኣቪቭ፣ ብኤርትራዉያን "እንዳ ባላጋን ወይ እንዳ ዕግርግር" ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ጎደና ናቪሽ ኣናን፣ ብሰንበት 3 ሰነ ዝተኻየደ ባእስን ኣምባጋሮን፣ 13 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ ወኪል ሬድዮ ኤረና ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ወከልቲ ሕብረተሰብ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቅባን ፡ ኣቦ ወምበር ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሕን ብዛዕባ'ቲ ዘጋጠመ ባእስን ኣምባጋሮን ብዝምልከት ምስ ፖሊስ ከተማ ተልኣቪቭ ትማሊ 4 ሰነ ርክብ ከምዘካየዱ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ እስራኤል ብተወሳኺ ገሊጹ።