ሓጺር ጸብጻብ ሰሚናር ንዝኽሪ መዓልቲ ነጻነት ኣብ ፍራንክፈርት

ትማሊ ቀዳም ዕለት 2.6.2018 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ኣብ ኣዳራሽ ሳልባው ንዝኽሪ መዓልቲ ነጻነት ሰሚናር በቲ ዝተመደቦ መሰረት ተኻይዱ። ቅድሚ ምጅማር ሰሚናር ብምክንያት ሞት ተጋዳሊት ድምጻዊት ጸሃይቱ በራኺ ብንጉሰ ሃይለ (መንሰዓይ) ሓጺር ምስክርነትን ተዋሂቡ። ስእላ ምስ ሽምዓ ኣብቲ ኣዳራሽ ህያው ኮይኑ ዊዒሉ።