ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ - ዞባ ሰሜን ኣመሪካ፣ ንቀዳም ዕለት 21/04/2018 ብጉዳይ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምዝታይን፣ ከምኡ’ውን፣ ኣብ ትሕቲ ጨቛኒ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ፣ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ኩነታትን፣ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ብዝቃለሱ ሓይልታት ዝካየድ ዘሎ ቃልስን ንምሕብራን፣ ብተጋዳላይ ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝምራሕ ሰፊሕን ክፉትን ህዝባዊ ኣኼባ ኣዳልዩ ምህላዉ ይሕብር። ኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ኣብቲ ተጸዊዑ ዘሎ ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ንክሳተፍ ብክብሪ ንዕድም። ኣድራሻ፡ Oakland International high school 4521 Webster street CA 94609 ግዜ፡ ካብ ሰዓት 16.00 ክሳብ ሰዓት 20.00 ኢዩ። ”ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኹሉ !!” ብድሓን ምጽኡ!! ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ