ደምዳሚ መግለጺ 2ይ-ስሩዕ ኣኼባ ማ/ሽማግለ፡ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)፤

ማእከላይ-ሽማግለ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)፡ ካብ 06  ክሳብ 10 መጋቢት 2018  2ይ-ስሩዕ ኣኼብኡ፡  ኣካይዱ። 2ይ-ስሩዕ ኣኼባ ማ/ሽማግለ ውድብና፡ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ተሰላሲሉ፡፡ ብሓደ ወገን፡ ኣብ  ዓለማዊ፣ ዞባዊ፣ ከባብያውን መዳይ፡ በብእዋኑ መልክዓቶም ዝፈላለዩን ብቕልጡፍ ዝቀያየሩን ተኣፈፍቲ ተርእዮታት ኣብ ዝንጸባረቑሉ እዋን እዩ፤ ንሃገራዊ መዳይና ምስ እንርኢ ድማ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ዘውርዶ ገደብ ኣልቦ ጭቆናን ኣደራዕን ሳዕቤናቱን ብሓደ ወገን፡ ኣብ ዞባ ማ/ምብራቕን ከባቢናን ዝረአ ዘሎ ተኣፋፊ ፖሎቲካዊ ዘይምርግጋእ ድማ፡ በቲ ካልእ ወገን መዝሚዙ፡