ኣብ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ዲሞክራስን ጽንዓትን ተማሂረ!!!

ሰልፊ ማለት ብሓደ ስነ ሓሳብ መትከል ተኣሳሲሩ ዝሰርሕ ፖሊቲካዊ ምትእኽኻብ ናይ ሰባት ኢዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲያዊ ወይ ዘይዲሞክራሲያዊ ክኸውን ይኽእል። ሰልፈይ ዲሞክራሲያዊ ድዩ ኣይኮነን ንምፍላጥ ኣነ መሰለይ እንታይ ኢዩ ምስ ፈለጥኩ ጥራሕ ኢየ ክመዝኖ ዝኽእል። ብኣከያይዳ ናይ ሰልፈይ ዕጉብ ክኸውን ከይከውን ኣብ ኣተሓሳስባይ ኢዩ ዝምርኮስ።