እስራኤል፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብግዴታ ናብ ርዋንዳ ንምጥራዝ ኣሕሊፋቶ ንዘላ ውሳኔ ንምቅዋም ሰለማዊ ሰልፊ ይካየድ

Israel Rwanda

መንግስቲ እስራኤል፣ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብግዴታ ናብ ርዋንዳ ንምጥራዝ ኣሕሊፍዎ ንዘሎ ውሳኔ ንምቅዋም፣ ካብ ሎሚ ሮቡዕ 7 ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ዓለም ሰለማዊ ሰልፊ ክካየድ'ዩ።

እዚ ብኤርትራውያንን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተወዲቡ ኣብ ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ ሃገራት ኤውሮጳ፣ እስራኤልን ኣውስትራልያን ዝካየድ ሰለማዊ ሰልፊ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ ስደተኛታት ብዘይድሌቶም ናብ ርዋንዳ ክወጹ ወይ ድማ ንዘይተወሰነ እዋን ክእሰሩ ዝብል ውሳኔ ብምኹናን፣ ርዋንዳ ነዞም ስደተኛታት ከይትቕበል ዝጽውዕ'ዩ።