ታሪኽ ተደግመ ንለዓል ስዉእና ከይተጠልመ

ካብ ነዊሕ ዓመታት እቲ ዝተመረቐልና ናጽነት ንልዑላውነት ዘይኮነ ነቲ ተባዕ ዕጥቂ ኣዳህሊልካ. . . ኣሚነልካ እናበልካ ብኸመይ ትፈናቕሎን ኣለሽ ትብሎን ዝዓለመ ውዲት ምንባሩ ብዙሕ ግዜ ሓቢረ ነይረ፡ ሓበሬታይ ግን ኣብ ውልቀ ጽልኢ ወይ ቂምታ ዝተተኽለ ተመሲሉ እቲ ብኣጋኡ ክንእርሞ ኣሎና ዝበልናዮ ኣብ ክንዲ ዝእረም ወግሔ ጸብሔ ውድብ ዕቁብ እናበልካ ግርህና ህዝቢ ተጠቒምካ ውልቀ ጥቕምኻ በረምበራስነት ሕልምኻ ንምዕዋት ዝተሃንደደ ወፍርታት. .  ንልሉይ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ.. ከምተፈናጫላይ ሌላ መስኪርካ ሃገርን ህዝብን ኣብ ወጥሪ ሕከት ንምእታው ዝዓለመ እነሆ ሽቶኡ ክወቅዕ ይሸባሸብ ኣሎ።