ዕዉት መብርሂ ሰሚናር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ-መሰረት ጨንፈር ጅዳ!

መቀጸልታ ናይቲ ኣብ ኩለን ጨናፍር ዝካየድ ዘሎ ናይ መብርሂ ሰሚናራት፡ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ-መሰረት ጨንፈር ጅዳ ብዛዕባ ውጺኢት ሳልሳይ ጉባኤ ብጅምዓት 26/01/2018 ድሕሪ ቀትሪ ዕዉት ናይ መብርሂ ሰሚናር ኣካይዱ።  ብመጀመሪያ ሓላፊ ጨንፈር ንኣኸበኛታት እንቋዕ ብዳሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባሉ፡ ንሱታፌኦም ኣመልኪቱ ብዙሕ ኣመስጊኑ።