ክልተ ፍረ ዘይብሉ: ክልተ እምብረ ቃለ-መጠይቕ

ብዘይ ዝኾነ ቃል ኣጋንኖ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ድቕድቕ ፖለቲካዊ ጸልማት’ዩ ዝነብር ዘሎ። ብዛዕባቲ ህዝቢ ዝሓልፎ ናይ ጸልማት ህይወት ርትዓዊ ሓበሬታ ዝህብ መንግስቲ የለን። ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ብዘይ ስኽፍታ ድምጹ ዘስምዕ፡ እዚ ጎዲሉኒ ኢሉ ዝሓተት ህዝቢ የለን። ካብ ኤርትራ ናብ ዓለም ዝጽብጽብ ነጻ ማዕከን ዜና የለን። ኣመት ህዝቡ ዝገብር ሰራዊት የለን። ኮታ ከም ህዝቢ ከም ሃገር ናይ ግድን ክህሉ ዝነበሮ ኩሉ ፖለቲካዊ