ህግደፍ ዙረት ባጤራ ናቕፋ ብምቁጽጻሩ ንህዝቢ ጎዲኡ ‘ምበር ፍታሕ ከምዘይምጸአ ተፈሊጡ።

ሃገር ብበይናዊ ድሌትን ውሳነን ዝመርሕ ዘሎ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ክብሪ ሃገራዊ ባጤራ ናቕፋ ንምሕላው ናይ ወጻኢ ሸርፊ ገዲብናዮ፡ እቲ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ብመልክዕ ደሞዝ ዝወሃብ ገንዘብ፡ ናይ ዕድጊ ዓቕሚ መታን ክህልዎ ድማ ዕዳጋ ምስኡ ከምዝመጣጠን ገይርና ንሰርሓሉ ኣለና፡ ሳላ ከምኡ ዝገበርና ሃገራዊ ቁጠባ ካብ ውድቀት ኣድሒና ህዝቢ ጽቡቕ ናብራ ይነብር ኣሎ ኢሉ’ኳ ክጀሃር እንተፈተነ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ብኣንጻር’ቲ ዝብሎ ዘሎ’ዩ ክብሉ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኤርትራ ዝወጽኡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣረጋጊጾም። ንኣብነት ዋጋታት ናይ’ቶም መሰረታውያን ነገራት ዝበሃሉ፡ ዝበሓ ህዝቢ ዕለታዊ ዝጥቀመሎም ከም ሽጉርቲ፣ ኮሚደረ፣ ድንሽ፣ ዓይነታት ኣሕምልቲ፣ እኽሊ ኣዝዩ ክቡር ም