ህዝብን ኣመሉ ዘይገድፍ መንግስትን

ኣብ ዝኾነ፡ ህዝቢ ወይ እኩብ ሰብ ዚነብረሉ ክልል፡ ስርዓትን ርግኣትን ንኺህሉ፡ ህዝቢ ድማ ብሰላም ሓሪሱን ነጊዱን መታን ኪነብር፡ ሓደ ብላዕሊ ኾይኑ ዘመሓድር ኣያ”ን ንኣኡ ምስ ታሕቲ ዘራኽቡዎ ደገፍትን ኣውታራትን ኪህልዉ ግድን እዩ። እዚ ድማ መንግስቲ ይብሃል። እንስሳታት ከይተረፉ፡ ብወገኖም ከም ዕስለ ወይ ጉጅለ ኮይኖም ኪነብሩ ኸለዉ፡ ሓደ ዚመርሖም ሽደን ወይ ኣያ ይደልዩ እዮም። ብዘይ መራሒ፡ ዝኾነ