መራሒ ህግደፍ’ዶ ዘወግዓዊ ኣፈኛ ዓብደል ፋታሕ ኣልሲሲ?

ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ገማግም ማያት ቀይሕ ባሕርን ብዘለዎ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኣገዳስነት ዓይኒ ናይ ዓለም ርእሰ ሓያላን ምስ ሰሓበ’ዩ። ወትሩ ርጉእ ጸጥታዊ ኩነታት ዘይብሉ ቅድም ክብል ኤውሮጳውያን ኣስፋሕፋሕቲ፡ ደሓር ኣብ’ቲ ብመድረኽ ዝሑል ኲናት ዝፍለጥ፡ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ደምበ ሃይጸይነትን ብሶቬት ሕብረት ዝምራሕ ደምበ ደሴትን መን ክሳዳዊ ስትራተጂካዊ ቦታ ሒዙ ዓብላልነቱ ኣረጋገጸ