ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እስራኤል መሰል ስዯተኛታት ክኸብር ጸዊዑ፡

ዕለት 09/ ጥሪ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስዯተኛታት ወሃቢ ቃል ዝኾነ ዊልያም ስፒንድለር (UNHCR William Spindler) ኣብ ጀነቫ ዝሃቦ መግለጺ፡ ናብ መንግስቲ እስራኤል ጥርዓን ከምዘቕረበ ገሊጹ። ትሕዝቶ ጥርዓኑ ብሓጺሩ ክግለጽ ከሎ፡ ንኤርትራውያን ይኹን ሱዳናውያን ስዯተኛታት ብዘይድሌቶም ብሓይሊ ናብ ኣፍሪቃ ከይመልሱዎም ተማሕጺኑ።