መራሕቲ ኤርትራን ግብጽን፣ ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ተፈጢሩ ብዛዕባ ዘሎ ሓድሽ ምዕባለታት ዘትዮም

egyptt

መራሕቲ ኤርትራን ግብጽን፣ ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ምዕባለታት ብዝምልክተ ዘትዮም። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብሰሉስ 9 ጥሪ ናብ ካይሮ ድሕሪ ምእታው ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ብምርኻብ፣ ኣብቲ ንኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ዘሰሓሕብ ዘሎ ኣጠቓቕማ ናይልን ምህናጽ ዲጋን ብዝምልከት ድሕሪ ምምይያጦም፣ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዳውባ ከባቢታት ንምዕጻው ዝወሰደቶ ስጉምቲን ክህሉ ዝኽእል ስግኣታትን ተዘራሪቦም።