ሱዳን ምስ ዶብ ኤርትራ ዘሎ መተሓላለፊ መስመራት ክዕጾ ከምዝአዘዘት ተገሊጹ

ገዛኢ ከተማ ከሰላ ሱዳን ምስ ዶብ ኤርትራ ዘሎ መተሓላለፊ መስመራት ክዕጾ ከምዝአዘዘ መንግስታዊ መሓውራት ዜና ሱዳን ሱና ሓቢሩ። ብመሰረት ሓበሬታ ሱና እቲ ምዕጻው ኸም አካል ናይቲ ኣንጻር ዘይሕጋዊያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ኣብ ግዝኣታት ሰሜን ኩርዳፍን ከሰላን ዝተአወጀ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ጊዜ አዋጅ ፕረዚደንት ዑመር ኣል በሸር ምዃኑ'ዩ።