መንግስቲ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዳውቦ ከባቢታት ዓጽዩ

janjawidመንግስቲ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዳውቦ ከባቢታት ከምዝዓጸዎ፣ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን። ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተዘርገሐ ዜና፣ ኣመሓዳሪ ዞባ ከሰላ ነቲ ዝተዘርገሐ ዜና ናይ ኣሉታ መልሲ ሂቡሉ’ኳ እንተነበረ፣ ትማሊ ቀዳም 6 ጥሪ ምስ መንግስታዊ ማዕከን ዜና’ታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፣ ካብ ፕረዚደንት ብዝመጾ ትእዛዝ መሰረት፣ ካብ ዕለት 5 ጥሪ ምሸት ጀሚሩ፣ እቲ ምስ ኤርትራ ዘራኽብ ደቡባዊ ምብራቕ ዶብ ሱዳን ከምዝተዓጽወ ኣፍሊጡ።