ኣብ ከባቢ ዓዲ ሓሎ ዝርከቡ ወነንቲ ጀራዲን ሸውዓተ ዓድታት፣ ጀራዲኖም ንመንግስቲ ከረክቡ ይእዘዙ

adi haloኣብ ከባቢ ዓዲ ሓሎ ዝርከቡ ወነንቲ ጀራዲን ሸውዓተ ዓድታት፣ ጀራዲኖም ንመንግስቲ ከረክቡ ከምዝተኣዘዙ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።  እቶም ወነንቲ፣ ንሓያሎ ዓመታት ከካይድዎ ዝጸንሑ ጀራዲን ንመንግስቲ ከረክቡ ተኣዚዞም ጥራይ ዘይኮነ፣ ሓደ ሽሕ ናቕፋ ወርሓዊ ደሞዝ እናተኸፍሎም ኣብቲ ብመንግስቲ ተመንዚዑ ዝመሓደር ዘሎ ጀራዲን ክሰርሑ ይግደዱ ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ጠቒሶም።