ላዕለዎት ኣባላት ኣመራርሓ ግሃድኤ-ሕድሪ ምስ ዕጡቕ ኣሃዱታት ግሃድኤ-ሕድሪ፡

ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ኣባላት ኣመራርሓ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ - ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) ዝርከብዎ ብኣቦ-መንበር ፈጻሚ ኣካል ዝተመርሐ ቡድን ኣብ ቦታ ዕጡቕ ኣሃዱታት ግሃድኤ-ሕድሪ በጺሑ ናይ መጀመሪያ ዕለት ሓድሽ ዓመት 2018 ብሓባር ኣብዒሎም ከምዝወዓሉ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ፡፡