ደምዳሚ ኣዋጅ ሳልሳይ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ “መሰረት”

“ሕድሪ ሰማእታትና ክሳብ ዝረጋገጽ ቃልስና ቀጻሊ እዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ “መሰረት” ሳልሳይ ጉባኤኡ  ብጅምዓት 29/12/2017 ብዓወት ዛዚሙ።   ሳልሳይ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፡ ኣብ ክሊ፡ ጽንኩር ኩነታት ሃገርናን፡ ዞባውን  ኣህጉራውን፡ ከምኡ’ውን ውድባውን ምዕባሌታት እዩ ተኻይዱ።