- Details
-
Created: Monday, 20 November 2017 05:51
-
Last Updated: Monday, 20 November 2017 05:51
ኩሉ ዓቕምታትና ብሓደ ኣስሚርና ብጽንዓት ንረባረብ፣ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) “ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ኩሉ ዓቕምታት ተቓላሳይ ህዝብና ንምውጋድ ስርዓት ህግደፍ ይቕናዕ!፡ ኣብ ኣረኣእያን ተግባርን ዝተሰረተ ዘላቒ ሓድነት ንምርግጋጽ ንቃለስ! ሓደ ዝሰመረ ናይ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ሃገራዊ ግንባር ክረጋገጽ ንቃለስ! ትምክሕትን ጽበትን ቀንዲ ዕንቅፋት ደሞክራስን ሓድነትን እዮም”….ወዘተ ኣብ ትሕቲ ዝብሉ መሪሕ ጭርሖታት ደሚቑን ማዕሪጉን ካብ 20-24 መስከረም 2017 ብዓወት’ዩ ዝተጋበአ። እዚ ኣብ ታሪኻዊት ወርሒ መስከረም መሬት ብጥዑም መኣዛ ዘለዎ ዕንባባ ኣብ ዝተወቀበትሉ ኣጋጣሚ ምግብኡ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ ዘበሰረትን ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዘሰጋገረት ወርሒ ምዃና’ውን