ድምጺ ናይ ኣመሪካ (V.O.A) ወይስ ናይ ኣንድነት?

ተባሂሉን ተነጊሩን እዩ፡ ህ.ግ.ደ.ፍ. ሰራውርና ኣብ ኩሉ መንደፍ፡ እሞ በብግዜኡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታቱን፡ ብውህበት ዑቕባ እናተቐለቡ ንጸገም ኤርትራውያን ፍታሕ ከይረክብ ዘወናብዱ ብዙሓት ከምዘለዉ ካን ነዊሕ እዋን ዝተዓዘብናዮ ብትዕዝብትና ዘዋህልናዮ ስለ ዝኾነ ሓዲሽ ነገር ክኾነና ኣይክእልን። ህላዌ እዚኣቶም ከኣ ንዓና ንኤርትራውያን የተባብዓናን የብልሓናን እምበር ኣየሰንብደና ኣይከልፈና።