መሰረታዊ ፖለቲካዊ ፍታሕ፡ ካብ ምቕሻሽ ዘይኮነ ካብ ግርጭት’ዩ ዝምንጩ።

ማሕበራዊ ናብራ ዕቤት ሓደ ገዚፍ ዓውዲ’ዩ። ሓደ ሓሳብ ምስቲ ካልእ ሓሳብ፡ ወይ ድማ ባህሪያዊ ጸጋ ምስ ድሌት ናይ ሰባት ብዝግበር ቃልሲ ዝመጽእ ለውጢ ድማ’ዩ። ንኣብነት ግርጭት” ዝብል ቃል ንጎነጻዊ ጥራሕ ዘይኮነ ንሓሳባዊ ዘይምስምማዕ’ውን የመልክት’ዩ። እዚ ዝተጠቕሰ ዘይምስምማዕ ኣብ ኣረኣእያታት፣ ትዕዝብትታት፣ ፍልስፍናዊ እምነታት፣ ተግባራት ዝንጸባረቕ’ዩ። ማለት ብዛዕባ ኣብ መንጎ ሰባት ዝፍጠሩ ወይ ክኽሰቱ ዝኽእሉ ፍልልያት ዘመልክት ምዃኑ’ዩ እዚ ግርጭት ዝብል ቃል። ኣብ’ዚ ግን ሓደ ጥንቃቐ ምግባር የድሊ። ግርጭት ማለት ግጭት ማለት ከምዘየኮነ። ግጭት ዘይሰላማዊ ግብራዊ ጎነጻዊ ኣፈታትሓ ነገራት’ዩ ዝውክል። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ኣፈ