ትግባረ ፖሊቲካዊ ናዕቢ ኣንጻር ምልክነት ኣብ ኤርትራ ከመይ ክኸውን ኣለዎ

ሕዝቢ ኤርትራ ብኩሉ መነባብሮኡ በቲ ዘስካሕክ ጭቆናን ወጽዓን በቲ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ሕጅስ ይኣክል ኢሉ ኣብ ከተማ ኣስመራ ሰላማዊ ሰልፊ ብምግባር ዘርኣዮ ተባዕ ተቃውሞ ብመን ካበይ ተበጊሱ ብዘይገድስ እቲ ሕቶ ሕዝባዊ ሕቶ ድኣ እምበር ሕቶ ሓደ ክፋል ሕዝብናን ወይ ድማ ናይ ሓደ እምነት ምእማናን ኣይኮነን፡፤ እዚ ከምዘይኮነ ድማ እቲ ስዒቡ ነዚ ተቃውሞ ደጊፋ ኣብ መላእ ዓለም ዝተኻየደ መንፈስ ሓድነትን ኤርትራውንትን ዝመልኦ ምስክር ደለይቲ ፍትሒ ሓድነቶም ናይ ሓድሕድ እምነቶምን ዘንጸባረቀ ኢዩ ነሩ፣ እዛ ሎሚ ኤርትራ ተባሂላ ትጽዋዕ ሃገር እቲ ክርስትና ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን እቲ እስልምና ድማ ኣብ 6ይ ክፍለ ዘመን ካብ ዝአቱ ክልቲኡ ኣብ እስልምናን ክርስትናን ዝኣምኑ ሕዝብታት ኤርትራ ኣብ ነንሕድሕዶም ተኸባቢሮም ኢዮም ኣሽሓት ዓመታት ብሰላም ክነብሩ ጸኒሖም ኣለዉን ክህልዉን ድማ ኢዮም፣ ልክዕ ኢዩ ፖሊቲካውያን ባዕዳውያን ይኹኑ ዘበታውያን ንብዝሓዊ መንነታት ኤርትራ/ሃይማኖት፣ ዓሌት፣ ቦታ፣ኣውራጃ/ እናመዝመዙ ንሕዝቢ ፈላልዮም ክገዝኡ ኣብዚ 65 ዓመታት ዝረኤናዮን ዝተመኰርናዮን ኢዩ፣