ጠንቂ ተቓውሞ ከተማ ኣስመራ ኣብ መንጎ መንግስቲን እስላማዊ ቤት ትምህርቲ ዝጸንሓ ምስሕሓብ’ዩ ተባሂሉ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዋና ከተማ ኤርትራ ኣስመራ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘይልምዱ ክብሉ ነቲ ዞባ ዘጽንዑ ክኢላታት እቲ ዞባ ይገልጹ። እቲ ብዙሕ ዘይረአ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝለዓለ ጠርዚ’ቲ ንዳርጋ ክልተ ዓመታት ኣብ መንጎ ሚንስትሪ ትምህርትን ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ካብ ካሪክለም ከውጽእ መንግስቲ ዝሃቦም ትእዛዝ ኣይንቅበልን ዝብሉ መራሕቲ’ቲ እስላማዊ ቤት ትምህርቱ ድያእ ኣል እስላምያ ዝነበረ ምምልላስ’ዩ።