መድረኽ ንደሞዝን ዝናን ዘይኮነ፡ ንስለ ድሕነት ህዝቢ መስዋእቲ ዝኽፍል ደሞክራስያዊ ምሁር ይጠልብ ኣሎ።

ካብ ማይሃምነት ነጻ ምውጻእ ሓደ ማሕለኻ ድኽነትን ድሕረትን ምብታኽ’ዩ፡፡ ካብኡ ሓሊፍካ ደረጃ ብደረጃ ኣብ’ቲ ዝለዓለ ናይ ሊቅነት መዕቀኒ ምብጻሕ ከኣ መሰረታዊ ናይ ህይወት መቐይሮ’ዩ። ፈደል ቆጺርካ ካብ ናይ ማሃይምነት ደልሃመት ንምውጻእ ምጅማር፡ ቀደማይ ካልኣይ ዲግሪ እናበልካ ኣብ ዝለዓለ ናይ ዶክትሬት ኢንጂነርነት ፕሮፈሶርነት መዓርግ ተሰጋጊርካ ማለት ግን፡ ፍጹም ፍልጠት፡ ፍጹም ሰብኣውነት፣ ፍጹም