ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝነብሩ ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ተቓውሞ ንምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣካዪዶም

we are one.ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝነብሩ ኤርትራውያን ነቲ ብተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣል ኢስላምያ ዝተኻየደ ተቓውሞ ንምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣካዪዶም።

ብመሰረት’ቲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጻና ዘሎ ሓበሬታ እቶም ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ኤርትራውያን፣ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኣትዩ ዘስዕቦ ዘሎ በደል ንምኹናን፣ በቲ ካልእ ወገን ከኣ እቲ ብተመሃሮ ድያእ ኣልኢስላምያ ዝተኻየደ ተቓውሞ፣ ሕቶ መሰል ምዃኑ ንዓለም ንምፍላጥ ዝዓለመ ምዃኑ ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ይገልጹ።