ደምዳሚ መግለጺ ኣኼባ መሰጋገሪ ባይቶ ግሃድኤ ሕድሪ።

መሰጋገሪ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ሎሚ ዕለት 5 ሕዳር 2017 ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ንውሽጣዊ ኩነታት ውድብ ገምጊሙ ዳግመ ስርርዕ ብምክያድ ንእዋናዊ ኩነታት ሃገርናን ኣተሃላልዋ ደንበ ተቕውሞን ዳህሲሱ፡ ንቐጻሊ ንጥፈታቱ ዝኸውን ኣገዳሲ ውሳኔታት ኣማሓላሊፉ።