ቤት ትምህርቲ ኣል-ዲያእ ስልጣን ምልካዊ ስርዓት ከንቀጥቅጥ ገይሩ፡

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልትታት ኣብ ከተማ ኣስመራ ቅልጡፍ ምዕባሌታት ተኸሲቱ። ካብ “ኣኽርያ” ዝተበገሰ ዓቢ ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዝተኻየደ ተኸታቲልና። መንቀሊ ናይ’ዚ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሃይማኖታዊ ምልክታት ማለት ሕጃብ፡ መስቀል፡ መዓተብ ወዘተ ዘኣመስሉ ምጥቃም ኣይፍቀድን ኢዩ ዝብል ውሳኔ ዘንቀሎ ኢዩ። እዚ ውሳኔ’ዚ መቐጸልታ ናይ’ቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃይማኖታዊ ትካላት ክኽተሎ ዝጸንሐ ኢድ ኣእታውነት ኢዩ። እዚ ተግባር’ዚ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝበጽሐ፣ ንፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብኢደ ወነኑ ካብ ጵጳሳዊ ሓልፍነቶም ኣውሪዱ ናይ ገዛ ማሕዩር ክኽውን ምስ ገበሮም ኢዩ።