ስጊንጢር ምሕደራ፡ ዘይሓፍር ሚኒስተር

ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ፡ ብኣቋውማ ሕጋውያን ዘመናውያን መንግስታት መንጽር ንምምዛን እንተዝፍተን ይቕረታ፡ ነዚ ዝኸውን ፖለቲካዊ መስፊሪ የብልናን ዝብል ሓጺር መልሲ ምረኸበ ነይሩ። ኣብ ቋንቋ ትግርኛ “ ካብ እኽሊ ሰብ ይስፈር” ዝብል ምስላ ኣሎ። እኽሊ ብዝሑን ክብደቱን ንምፍላጥ፡ ብባህላዊ ድዩ ዘመናዊ መስፈሪ ገይርካ ኢኻ ትልከዖ። ንሰብ ከኣ ካብ ኣወዳድቓ ቃላቱ፡ ግልጽነቱ፡ ህርኩትነቱ፡ ሓቅነቱ፣ ልግሱ፣ ተወፋይነቱ፣ መሃዝነቱ፣ ምቑልልነቱ፣ ሕጋዊ ኣካይዳኡ …ወዘተ ኢኻ ትሰፍሮ። ንፖለቲካዊ ሓይልታት ወይ መንግስታት ከኣ፡ ካብ ደርባዊ ባህሪኦም፣ ፖለቲካዊ ፕሮግራሞም፣ ስትራተጂካዊ ውጥናቶም፣ ሕጋውነቶም፣ ህዝባውነቶም፣ ግብራዊ ንጥፈታቶም ኢኻ ትመዝኖም ወይ ትሰፍሮም።