ምረት ዝወለዶ ውሽጣዊ ተቓውሞ መታን ከይብርዕን፡ ካብ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ስሙር ግብራዊ ደገፍ ክረክብ ኣለዎ።

ሳእን ብቑዕ ቀላሲ፡ ግዝያዊ ነገራዊ ረብሓ ምቕዳምን ፖለቲካዊ ድሕረትን ኣብ ዕንክሊል ዝነብር ዘሎ ባዕላዊ ኩነታት እንተዘይኮይኑ፡ ውድዓዊ ኩነታት ንለውጢ ምቹእ ኮይኑ ካብ ዝበስል ነዊሕ ግዜ ኣቑጺሩ’ዩ። እንተኾነ ባዕላዊ ኩነታት ተማሊኡ ውድዓዊ ኩነታት እንተዘይበሲሉ ወይ ወድዓዊ ኩነታት በሲሉ ባዕላዊ ኩነታት እንተዘይተማሊኡ፡ ቃልሲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ በቲ ዝድለ ቅልጣፈ ክምርሽ ከምዘይኽእል ርዱእ ነገር’ዩ። ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ባዕላውን ወድዓውን ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ኣይተመዓራረየን ዘሎ። እቲ ሓደ በሲሉ