ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኣብ ዝተኻየደ ዝተፈላለየ ናዕብታት ብውሕዱ 11 ሰባት ተቐቲሎም

ambo adma ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልላት ቤንሻንጉል ጉሙዝን ኦሮምያን፣ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኣብ ዝተኻየደ ዝተፈላለየ ናዕብታት ብውሕዱ 11 ሰባት ተቐቲሎም። ኣብ ክልል ጉሙዝ ሸሞንተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ንሓላፊ ህዝባዊ ርክባት እቲ ክልል ብምጥቃስ ዝሓበረት ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር፣ ሸሞንተ ካልኦት ብኸቢድ ቆሲሎም ኣብ ሕክምና ከምዘለዉ ገሊጻ።