መግለጺ ኣራሚት ሽማግለብዛዕባ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ኣስመራ

ስርዓት ህግደፍ መቀጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ መድረሰት ኣልድያእ ንምቁጻጻር ዝገብሮ ግህሰት፡ ቁጠዔ ተማሃሮ እታ ቤት ትምህርቲ ኣብ ጥርዙ ስለ ዝበጸሐ፡  ትማሊ ሰሉስ 31/10/2017 ካብቲ ቤት ትምህርቲ ዝተበገሰ  ናዕቢ ናብ ውሽጢ ከተማ ኣስመራ ሰጊሩ ከም ዘምሰየ ብቪድዮ ተሰነየ ወረ ተኻታቲልና። እዚ ህዝባዊ ናዕቢ ዘስገኦም ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቶም ሰላማውያን ተማሃሮ ንምብታን ብቶኽሲ ከም ዝመለስሎምን  ኣብ ካልእ ዝተፈላለየ ቦታ’ውን ብርቱዕ ናይ ተኽሲ ድምጺ ከም ዝተሰምዔን፡   ቁጽርም ገና ዘይተራጋገጸ  ዝሞቱን ዝቆሰሉን ከምዘለዉ ይሕብር።  ብተወሳኺ እቲ ናዕቢ ኣብ ከተማ ኸረንን ካሎኦት ከተማታትን  ሰጊሩ ከምዘሎ’ውን ብዝተፈላለየ ወገን ሓበሬታ ኣሎ።