ተማሃሮን ወለድን ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣል እስላምያ: ኣብ ከባቢ ኣኽርያ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዝገበሩ ምንጭታት ሓቢሮም

ሎሚ ኣብ ኣስመራ፡ ተማሃሮን ወለድን ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣል እስላምያ ኣብ ከባቢ ኣኽርያ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዝገበሩን ብፖሊስ ከምዝተበተኑን ዝተፈላለዩ ምንጭታት ንድምጺ ኣሜሪካ ቋንቋ ትግርኛ ይሕብሩ’ለው።

እቲ ሰልፊ መበገሲኡ :መንግስቲ ኣብ`ታ ቤትምህርቲ ናይ ስርዓተ ትምህርቲ ማለት ካሪክለም ምልውዋጥ ክገብር ብምፍታኑን፡እዚ ድማ ንእስላማዊ ትምህርቲ መንገዲ ዝዓጹ`ዩ ተባሂሉ ተቓውሞ ምልዓሉን እቶም ምንጭታት ይገልጹ።