ኣስመራ፣ ተማህሮ ዲያእ ኣል እስላሚያ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም፣ ሰራዊት ንምብታኖም ተዅሲ ከፊቱ

Dia Islamic School

ኣብ ኣስመራ፣ ሎሚ 31 ጥቅምቲ፣ ኣብ ሰዓታት ድሕረ ቀትሪ፣ ኣብ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝተኣኻከቡ ኣስታት 100 ዝኾኑ ተማህሮ ዲያእ ኣል እስላሚያ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም መጉልሒ ድምጺ፣ ኣባትርን ኣእማንን ዝሓዙ ተማህሮ፣ ነቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ 'ታ ቤት ትምህርቲ ዝወሰዶ ናይ ምዕጻውን ዳይረክተር እታ ቤት ትምህርቲ ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ዝርከብዎም ኣካየድታ ናይ ምእሳርን ስጉምቲ ብምኹናን፣ ፕረዚደንት ቅልጡፍ ፍታሕ ክእዝዝ ጸዊዖም።

እንተኾነ፣ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፣ ብረት ዝዓጠቑ ብብዝሒ ሰራዊት ነቶም ተማህሮ ብምኽባብ ብኣባትርን ብተኹዅስን ከምዝበተንዎም ተረጋጊጹ