ኣብ ልዕሊ ሸኽ፡ ወለድን መማህራንን፡ ዱያእ ኣል-ኢስላምያ ዝተፈጸመ ግፍዒ ንኹንኖ።

ብ- 25/ 10/ 2017 ብጉዱሳት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ህጹጽ ዜና ካብ ኣስመራ ዝብል፡ ከምኡ’ውን ኣብ’ቲ ዕለት’ቲ ብሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ተመሳሳሊ ዜና ተ዗ርጊሑ ነይሩ። ትሕዝትኡ ድማ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዞባ ኣኽርያ እትርከብ ነዊሕ ዓመታት ዝገበረት (ቤት ትምህርቲ) መድረሰት ዲያእ ኣል እስላምያ ይኹን፡ ነቲ በደል ከይፍጸም ብምቅዋም ዓገብ ኢሎም ብሰላማዊ ኣገባብ ተቓዉሞ ዗ስምዑ ግዱሳት ተጣበቕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሸኽ ሙሳ መሓመድ ኑር ይኹን ኣብ ልዕሊመማህራንን ግዱሳት ወለድን ዝተፈጸመ