ከሰላ፣ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተቐቲሎም

eritreans kassalaኣብ ከሰላ፣ ኣብ መንጎ ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብን ሓይልታት ጸጥታን እቲ ዞባ ብዝተኻየደ ግጭት ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተቐትሉ ሬድዮ ዳባንጋ ሓቢራ። እታ ሬድዮ ብዘቕረበቶ ጸብጻብ መሰረት፣ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ኣብ ዝሃድንሉ ዝነበሩ እዋን፣ እቲ ግጭት፣ ኤል ሳዋቒ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ብ11 ጥቅምቲ'ዩ ተኻይዱ።