- Details
-
Created: Friday, 20 October 2017 11:10
-
Last Updated: Friday, 20 October 2017 11:10

ብቐዳምነት ኣብ መኽፈቲ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤኹም ተረኺብና መልእኽትና ከነመሓላልፍ ንዝተገብረልና ዕድመን ዝተዋሃበና ዕድልን ብልቢ ነመስግን። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤኹም ንህልዊ ወድዓዊ ኩነታት ናይ ህዝብታትና፡ ሃገርናን ደምበ ተቓውሞናን ብግቡእ ገምጊሙ፡ ንዘጋጥምዎም ዘለዉ ዝተፈላለዩ ከበድቲ ኣሰከፍቲ ሓደጋታትን ጸገማትን ንምውጋድ ዘኽእሉ ፖሊሲታትን ስትራተጂታትን ሓንጺጹ ብዓወትን ስኒትን ክዛዘም ትምኒትና ንገልጽ።