ብምኽንያት ዝኽሪ 4ይ-ዓመት ጅምላዊ ህልቂት ላምፔዱሳ ዝተዳለወ ውድባዊ መግለጺ፡

Image result for eritrean at lampedusa

ቅድሚ 4 ዓመት ልክዕ ከም'ዛ ሎሚ፡ 03 ጥቅምቲ 2013 ኣዝዩ ዘሰንብድን ሃንደበታውን ጅምላዊ ህልቂት ንጹሃት ዜጋታት ዝተረዳእናሉ መሪር ወቕቲ ኔሩ። ኣስታት 365 ንጹሃት ኤርትራውያን ሰደተኛታት፡ ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ደሴት ላምፔዱሳ ብዘሰቅቕ ዝተቐዝፉሉ እዋን’ዩ፡፡ እዚ ፍጻመ’ዚ ዓለምና ንስደተኛታት ዝሃበቶ ትሑት ኣቓልቦ ኣብ ትዕዝብቲ ክትወድቕ ዝገበራ፡ ንዓና ንኤርትራውያን ድማ ኣብ ልዕሊ ህላዌናን ቀጻልነትናን ኣንጸላልዩ ናይ ዘሎ ሓደጋ ብርሰት፡ ጥርዙን ግዝፉን ዘግሃደ መነቓቕሒ ደወል’ዩ፡፡ ብክንድ’ቲ ግዝፉ ብደረጃ ዓለም፡ መራሕቲ ሃገራት፣ መራሕቲ ሃይማኖታት፣ ጋዜጠኛታት፣ ውሩያት ሰባትን ስፖርተኛታትን ብዘይኣፈላላይ “ጸሊም መዓልቲ ንብዓት ዓለምና” ዝሰመይዎ፡ ኤርትራዊ ዘሰቅቕ ዛንታ ህልቂት’ዩ፡፡ ብደረጃ  ሕብረት ኣፍሪቃ “መዓልቲ ስደተኛታት” ክሳብ ምስማይ ዘብጸሐን፡ ሰንደቕ እቲ ሕብረትን ኣባል ሃገራቱን ኣብ ፍርቂ-ዘንጊ ክስቀል ዝተወሰነሉ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሓዘን ንምእዋጅ ምኽንያት ዝኾነ ኣጋጣሚ’ዩ፡፡