ሕድሪ ስውኣትናን ብጭርሖ ዝዘቕበበ መኻን መብጽዓን ኣይሰማማዕን

ንመሬታዊ ነጻነት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብቐንዱ ንህዝባዊ ሰላም፣ ህዝባዊ ደሞክራሲ፣ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ስልጣን፣ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፣ ኣድልዎ ዝጽየፍ ማዕርነታውን ሓባራዊ ተጠቃምነት ዘረጋገጽ ፖለቲካዊ ምሕደራ ክውን ንምግባር፡ ገንዘብ ወይ ንብረት ዘይኮነ፡ ኣካልን ህይወትን ንዝኸፈሉ ውጉኣት ሓርነትን ጀጋኑ ስውኣትን ዝወደቕሉ ቅኑዕ ዓላማ ኣብ ህዝቢ ግብራዊ ከይገበርካ፡ ዓመት መጽአ ተማሂዙ