ኣብ ልምምድ ዝነበረ ነፋሪት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ወዲቓ፣ ክልተ ኣብረርታ ህይወቶም ሓሊፉ

ERAF MIG 29

ኣብ ልምምድ ዝነበረት ነፋሪት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ብ25 መስከረም ወዲቓ፣ ክልተ ኣብረርታ ህይወቶም ሓሊፉ። እቶም ክልተ ምኩራት ኣብረርቲ ሎሚ 26 መስከረም ፍርቂ መዓልቲ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም።

ብሰንኪ መቀያየሪ ኣቑሑን ብቀጻሊ ዘጋጥም ዘሎ ህድማ ምኩራት ቴክኒሻናትን ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ጥራይ ብግቡእ ዘይተጸገና ነፈርቲ ወዲቐን ብውሕዱ ህይወት ኣርባዕተ ምኩራት ኣብረርቲ ለኪመን ኣለዋ።