ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

ሓሙሻይን ናይ መወዳእታን መዓልቲ 2ይ ጉባኤሎሚ መዓልቲ፡ 24 መስከረም 2017 ዓ. ፈ. ቅድሚ ቀትሪ ምምራጽ መሪሕነት ብጽፉፍ ኣገባብ ተኻይዱ፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ድማ ንናይ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ ናይ ክብሪን ወግዒን መዛዘሚ ምኽንያት ብምግባር ብወናማት ናይ ደግሓኤ ክፍሊ ባህሊ ምስ ወናማት ደለይቲ ፍትሒ ስነ-ጥበባውያን ከም በዓል ኪሮስ ኣስፍሃ ተሰንዩ፡ ወጋሕ ትበል ለይቲ ከምዝተኻየደ ንኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን መሓዙትን ምሕባርና ዝዝከር ኢዩ።