ዜናታት ካብ ኤርትራ

ክልተ ዓበይቲ መካይን ሰራዊት ተቓጺለን። ስርዓት ህግደፍ ብውሽጣዊ ቅልውላው ይሳቐ ምህላዉ እሙናት ምንጭታትና ሓቢሮም። ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሰራዊት፣ ብቐጻሊ ዝርአ ዘሎ  ግርጭታት፣ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ’ቶም፣ ኣብ ጽፍሕታት ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ዘለዎም መኮንናት ሰራዊት፣ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ናብ ሓደገኛ ጥርዚ በጺሑ ምህላዉ፣ ካብ ውሽጢ ምምሕዳር ሰራዊት ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ነቲ ሰራዊት ራሕሪሖም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝሃድሙ፣ ካብ ተራ ኣባላት ሰራዊትን ጀሚርካ ክሳብ ዝተፈላለየ መዓርግ ዘለዎም ሓለፍቲ፣ እናደየበ ይኸይድ ምህላዉ ዝተፈልጠ ኢዩ።