ኣብ ትሕቲ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ስርዓት ህግደፍ ሕርሻ ሃገርና ይምዕብል ድዩ ዘሎ ወይስ የንቆልቁል?

ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ስርዓት ህግደፍ፡ ሕርሻ ሃገርና ኣብ ምምዕባል ብዙሕ ይሰርሕን ይስጉምን ከም ዘሎ፡ ብዘይካቲ ንሱ ብመንግስታዊ ደረጃ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ኣእትዩ፡ ኣብ ባርካ የልመዖ ኣለኹ ዝብሎ ሕርሻ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ገጠራት፡ ሓጽብታት፣ ራህያታት፣ ምክልኻል ፍግረ-መሬት፣ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፣ ምክንኻን እንስሳን ..ወዘተ ብስሉጥ ይካየድ ከም ዘሎ፡ ዝሓሸ ውጽኢት ድማ የመዝግብ ከም ዘሎን በብግዜኡ ክግለጽ ምጽንሑ ዝፍለጥዩ። እዚ ኣብ ሕርሻ ለውጢ እናመዝገብኩ ይጎዓዝ ኣለኹ ዝብሎ፡ ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ መነባብሮ ናይቲ ኣብ ሕርሻን ጥሪትን ተመርኲሱ፡ ናብራኡ ዝመርሕ ገባራይ ይኹን ሰበኽ ሳግም እንታይ ዘምጸኦ ለውጢ ኣሎ? ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ኣተኣሳሲርና እንታይ ይመስል ምርኣይ