ኢጣልያ፣ ካብ ዝነበርዎ ህንጻ ኣብ ልዕሊ ዝሰጎጎቶም ስደተኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጎነጽ ትጥቀም ምህላዋ ትውቀስ

Italy Immigration

ፖሊስ ኢጣልያ፣ ነቶም ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝነበርዎ ህንጻ ዝሰጎጎም ስደተኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ካብቲ ዝሓድርሉ ጎደናታት ንምብታኖም'ውን ጎነጽ ይጥቐም ምህላዉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቶም። እቶም ብቀዳም፣ 19 ነሓሰ ካብ ዝነበርዎ ህንጻ ዝተሰጉ ነፍሰ ጾራት ደቂንስትዮ፣ ኣዴታትን ህጻናትን ዝርከብዎም ኣስታት ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ብዘይዝኾነ መጽለሊ፣ ኣብ ማእከል ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሜዳ ፒያዛ ኢንደፐንደንዝያ'ዮም ተደብርዮም ዘለዉ።