ምምሕዳር ትራም፣ ንዝስጎጉ ዜጋታተን ምቕባል ዝኣበያ ኣርባዕተ ሃገራት ናይ ቪዛ እገዳ ከምዘተግበረ ይግለጽ ኣሎ

US State Department

ምምሕዳር ትራም ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ወጻእተኛታት ክሰጉግ ድሕሪ ዘሕለፎ ውሳኔ፣ ንዝስጎጉ ዜጋታተን ምቕባል ዝኣበያ ኣርባዕተ ሃገራት ናይ ቪዛ እገዳ ከምዝገበረ ማዕከን ዜና ዋሽንግተን ታይምስ ሓቢሩ። ሰበ ሰልጣን ውሽጣዊ ድሕነትን ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢን ነዚ ናይ ቪዛ እገዳ ከምዘረጋገጽሉ ዝሓበረ እቲ ማዕከን ዜና፣ እተን ሃገራት ግና መነመን ምዃናን ካብ ምንጻር ከምዝተቖጠቡ ኣመልኪቱ።

ይኹን'ምበር እተን ናይ ቪዛ እገዳ ተነቢሩልን ዝብሃል ዘሎ ኣርባዕተ ሃገራት፣- ኤርትራ፣ ካምቦድያ፣ ጊኒን ሰራልዮንን ምዃነን ዋሽንግተን ታይምስ ንናይ ምንጭታት ግምታት ብምጥቃስ ገሊጹ።