ህዝቢ ንምህለላን ጸሎትን ብዘይፍቃድ ከይእክቡ ንመራሕቲ ሃይማኖታት መጠንቐቕታ ይቐርብ

Asmara Church and Mosque

ህዝቢ ብዘይፍቓድ መንግስቲ፣ ንምህለላን ጸሎትን ከይእክቡ ንመራሕቲ ሃይምኖታት እስልምናን ክርስትናን መጠንቐቕታ ከምዝቐረበ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም። እዚ መጠንቐቕታ ዝቐርብ ዘሎ፣ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት፣ ሕሱም መነባብሮ ዘሕልፍ ዘሎ ህዝቢ፣ ሰኣን ዝናብ ድማ ብተፍጥሮኣዊ ናይ ደርቂ ሓደጋ ከይጥቃዕ ካብ ምስጋእ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ብእኩብ ምህለላን ጸሎትን ድሕሪ ምክያዱ'ዩ።